መጽሓፍ ሰማይ ፈረስ!!!
ንዛንታ ህይወት 3000 ተማሃሮን ኣባላትን ዝሓቖፈ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኤርትራ ኣተክሮ ጌራ፣ ንምስሊ ክፍላተ ታዕሊም ግራርን ግልዕን ዘካተተ መሳጢ ዛንታ ዝሓቆፈት ታሪ ኻዊት መጽሓፍ ጀባእ ንብለኩም!!!
መጽሓፍ ሰማይ ፈረስ ነቲ ክትኣምኖ ዘጸግም ፣ምስ ሕጽረታት መግቢ፣ማይ፣ ክዳንን ሕክምናን እናተቓለስካ፣ ኣብ ትሕቲ ሰርብን ነጎዳን ኲናት ኴንካ ዝካየድ ዝነበረ መስርሕ ምምሃር ምስትምሃርን፥ ንዝነብሮ ዝተሓላለኸን ፈታንን ህይወት፣ ንምስጋሩ ዝነበረ ብልሕን ተወፋይነትን ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ብመሳጢ መልክዑ ሒዛ ቀሪባ ኣላ።
መዓስ እዚ ጥራይ፣ መጽሓፍ ሰማይ ፈረስ ጥርዚ ንዝበጽሐ መሳጢ ፍቕራዊ ዛንታ ኣንጻር ጾታ ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራን መስገደላቱን ። ከምኡ’ውን ዛንታ ተወጊኡ ኣብ በዓት ተሓቢኡ ዝተረፈ ተጋዳላይ ኣባል ስለያ ፣ ዕባይ ቤት ትምህርቲ ሰውራን፣ ንምድሓኑ ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ሰብ ዝለመደ ኤርትራዊ “ኢራብ” ከም ፖስተኛ ኮይኑ ከገልግል እተርኢ ንልቢ ኣንጠልጣሊ ዛንታ ዝሓቖፈት ፣ ገለ ካብቲ ዘስደምም ታሪኽ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ እተዘንቱ፥ ብሽመንዲ ዑቕባሚካኤል እተደርሰት ማራኺት መጽሓፍ እያ ። ጆባእ ንዓኹም። ፍረ ጋባ ዶት ኮም
Reviews
Clear filtersThere are no reviews yet.